Thursday, April 06, 2017

“ምስ ህዝቢ ምርኻብ ፍርቂ መንገዲ ዓወት‘ዩ”

Tigrai Online

“... ገፅ መራሕትና ካብ ዘይንርኢ፣ ንመራሕትና ካብ እንናፍቖም ዳርጋ 20 ዓመታት ኣቚፂርና፡፡  ናብ ከባቢና ሓንቲ መኪና እንተመፂኣ ኣንታ መን‘ኮን ሒዛ መፂኣ? እናበልና ብሃንቀውታ ነመዓዱ፡፡  ሎሚ ድሕሪ 20 ዓመት ምስ መራሒ ውድብና፣ ኣመሓዳሪ ትግራይ ተጋዳላይ ኣባይ ወልዱ ዓይኒ ንዓይኒ ስለዘረኣአየና ታሕጓስና ወሰን የብሉን፡፡ ድልየትና፣ ሃንቀውታና እዚ ስለዝነበረ፡፡ ...”


እዚ ዘረባ እዚ ርእሰ ምምሕዳር ብ/ክ/መ/ትግራይ ኣባይ ወልዱ ናብ ፍቖዶ ወረዳን ጣብያን ትግራይ ወሪዶም ምስ ህዝቢ እንትዛተዩ ሓደ ነባሪ ዛና ካብ ዝተዛረብዎ ንሕልናይ ዝሰቆረኒ ቆንጢረ ዝወሰድኩዎ‘ዩ፡፡  ብዓቕመይ ንኡሽተይ ክሕንጥጥ ዘገደደኒ‘ውን እዚ ለባም ዘረባ ወላዲ‘ዩ፡፡  እዚ ረዚን ዘረባ እዚ ካብ ኣንደበት ዛናዊ ወላዲ እንተወፀ‘ውን ኣተሓሳስባ መላእ ተቓላሳይ ህዝቢ ትግራይ ከምዝኸውን እምነተይ ሙሉእ‘ዩ፡፡

እሞ ናብ ሓሳበይ ክኣቱ፡፡ህወሓት/ኢህወዴግ ዓሚቕ ተሃድሶ ክገብር ካብ ዘገደድዎ ሓደ ”ህዝባውነት ምሽርሻርን ወልቃውነት ምንስእራርን“ እቲ ቀንዲ‘ዩ፡፡ ህዝባውነት ምሽርሻር መሰረት ምንሃል ማለት እዩ፡፡ ”ህዝቢ ዝኣመነ ይስዕር!” ወሳኒ ጭርሖ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ነይሩ፡፡  ሙሉእ ብሙሉእ ሓቂ ድማ ኾይኑ ንስርዓት ደርግ ስዒሩ፡፡ እዚ ጭርሖ ድሕሪ ዕጥቃዊ ቃልሲ‘ውን ሰሪሑ ኣብ ልምዓት ውፅኢት ኣምፂኡ፡፡ ግን ሙሉእ ዓወት ኣየምፅአን፡፡ ንምንታይ እታ ጭርሖ ልክዕ ከምቲ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ስለዘይትዓትዐተት፡፡ ህዝባዊ እምነት ስለዝተሸርሸረ ሙሉእ ዓወት ኣይመፀን፡፡ ክመፅእ‘ውን ኣይኽእልን፡፡ ስለዚ ገምጋም ህወሓት/ኢህወዴግ ትኽክለኛ‘ዩ፡፡ “ቑስሉ ዝፈለጠ-ፈውሲ ይረክብ”  ከምዝበሃል ህወሓት/ኢህወዴግ እውን ቁስሉ ነፂሩስ፣ መፍትሒኡ ድማ ምስ ህዝቢ ዘተኣሳስረኒ ገመድ ከስጥም ኣለኒ ኢሉ ህዝባውነት ናብታ ዝነበረታ ቦታ ንምምላስ ቖሪፁ ብምልዓል ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ኣትዩ እነሆ ተስፋ ዝህብ ምዕባለታት ምርኣይ ጀሚርና ኣለና፡፡  

ካብቶም ተስፋ ዝህቡ ምዕባለታት ሓደን ወሳንን ድማ ምስ ህዝቢ ገፅ ንገፅ ብምርኻብ ምስማዕ፣ ምልዛብ ምጅማሩ‘ዩ፡፡  እዚ ምስ ህዝቢ ምርኻብ ንሓደ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ውድብ ፍርቂ መንገዲ ዓወት‘ዩ፡፡ እዚ መድረኽ እሂን ምሂን ምስ ህዝቢ ምጅማሩ ንህወሓት/ኢህወዴግ ሰለስተ ረብሓ ኣለዎ፡-
1.     “ምስ ህዝቢ ዘለኒ ምትእስሳር እናተሸርሸረ ህዝባውነት ቦታ እናለቐቐ ይኸይድ ኣሎ” ኢሉ ዝገምገሞ ገምጋም ንቃል-ዓለም ዘይኮነ ናይ ልቡ ምዃኑ ዘረጋግፅን ተኣማንነት ብህዝቢ ዘጥርየሉን‘ዩ፡፡
2.    እቲ ዝገምገሞ ገምጋም ክልስ ሓሳባዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ብህፁፅ ክትግብሮ ከምዘለዎ ዘሕለፎ ውሳነ ምትግባር ምጅማሩ ኣብ ቃሉ ዝፀንዐ ናይ ተግባር ውድብ ክኸውን ይገብሮ፡፡
3.    ትርግታ ልቢ ህዝቢ ሰሚዑ ሽዑ ንሽዑ ዝፍትሑ፣ ብማእኸላይ ግዘ ዝፍትሑን ብሓፂር ግዘ ዘይፍትሑን ጉዳያት ወይ ሕቶታት ነቲ በዓል ዋና ዝኾነ ህዝቢ ብግልፂ ምንጋር ምጅማሩ ድማ ግልፅነት ኣብ ህዝቢ ክህሉ ዝገብር‘ዩ፡፡  

መድረኽ እሂን ምሂን ምስ ህዝቢ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ረብሓታት ዘምፅእ እንተኾይኑ ንሱ ዘይምትግባር ማለት ድማ ብኣንፃሩ ንሓደ ህዝባዊ ውድብ ተኣማንነት ኣብ ህዝቢ ይጐድል፣ ናይ ዘረባ ውድብ ይኸውን፣ ግልፅነት ኣብ ህዝቢ ኣይህሉን ተደሚሩ ኣብ ርክብ ህዝብን ውድብን ምፍንታት ይመፅእ፣ ህዝባውነት ይሽርሸር፣ ፀገም ሰናይ ምምሕዳርን ኻልኦትን ይነግስ ማለት‘ዩ፡፡  ከምዚ ድማ እዩ ኮይኑ ፀኒሑ ንዝሓለፉ ዓመታት፡፡

ህዝቢ ትግራይ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ኣሎ ኢሉ ካብ ዘማረረሎም ምኽንያታት እቲ ሓደን ፍርቂ ቦታ ዝሕዝን‘ምበኣር እቶም ኣብ ላዕሊ ካብ ቁፅሪ 1-3 ዝተዘርዘሩ መሰረታዊ ግን ቀለልቲ ጉዳያት ብዘይምትግባሮም ዝተፈጠረ‘ዩ፡፡ ካብዚ እምነት እዚ ብምብጋስ‘ዩ ማሕተመ ጋንዲ “ምስ ህዝቢ ምርኻብ ፍርቂ መንገዲ ዓወት‘ዩ” ዝበለ፡፡

እዚ ኣበሃህላ ሓቂ ምዃኑ ድሕሪ ዓᎁቕ ተሃድሶ ርእሰ ምምሕዳር ብ/ክ/መ/ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ካብ ጫፍ ጨርጨር ክሳብ ጫፍ ፀገዴ ኣብዘካየድዎ መድረኽ ልዝብ ምስ ህዝቢ ብተግባር ተራእዩ‘ዩ፡፡  ኣብ ኩሎም መድረኻት ካብ ህዝቢ ዝተዓዘብኩዎም ስምዒታት ተመሳሰልትን ክልተ ባህሪያት ዝተላበሱን‘ዮም፡

1.     ካብ ውድባዊ ናፍቕ፣ ኣብ ዕጥቃዊ ካብ ቃልሲ ዝለመዶ ዝብገስ መራሕትና ብቐረባ፣ ብተኸታታሊ ረአዩና፣ ስምዑና፣ ኣይትርሓቑና እዩ ዝብል፡፡
2.    ወነ ቃልሲ ህዝቢ ኣብ ቦትኡ‘ዩ ዘሎ፡፡  እምነቱ ኣብ ህወሓት፣ እምነቱ ኣብ መስመር ዋላ ሓንቲ ከምዘይተቐየረ ኣረጋጊፁ እዩ፡፡

ነዞም ኣብ ኽልተ ነጥብታት ዝጠመርኩዎም ስምዒት ህዝቢ ብዝግባእ ዘረጋግፅዎ ወላዲ ዛና ዝበልዎን ኣብ መእተዊ ፅሑፈይ ዝጠቐስኩዎን‘ዩ፡፡  ብሓፂሩ ንምድጋም ”….መራሕትና ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ገፅኩም ብምርኣይና ታሕጓስና ወሰን የብሉን፡፡  ውድብና ንፀገማትና ከም ኣመላ ትስመዐና፡፡  ዝኸኣለቶ ትፍተሓልና፣ ዘይከኣለቶ ድማ ተስግሮ፡፡  ኣብ ዝኸኣለቶ ግዘ ትፍተሓዮ፡፡  ብዝተረፈ ሐዚ እውን ከም ትማሊ ንውድብና ልዕሊ ዓቕማ ኣይነጨንቓን፣ ኣብ ጐድና ኢና….” ኢሎም፡፡

እዚ ብወላዲ ዛና ዝተዘረበ ዘረባ-ንመንፈስ ኹሎም ዝተኻየዱ መድረኻት ህዝቢ ዝውክል ይመስለኒ፡፡ ፕሬዝዳንት ኣባይ ወልዱ ዘካየድዎም ብዙሓት መድረኻት መንፈስ ህዝቢ ቀይሩ‘ዩ፣ ውድብና ናብ ባህላ ተመሊሳ ኣቢሉ‘ዩ፣ ተስፋ ፃሕቲሩ‘ዩ፣ ዓቕሚ ኣመራርሓ‘ውን ኣርእዩ‘ዩ፣ ኣብቲ ዘይበፅሕሉ ህዝቢ‘ውን ናይ ይምፅኡልና መንፈሳዊ ቅንኢ ወይ ቀፀፅ ፈጢሩ‘ዩ፣ ሓድነት ህዝብና ውሽጥን ደገን ኣጠናኺሩ እዩ፣ ኣብ ፀላእቲ ድማ ብኣንፃሩ ስዕረትን ሕፍረትን ፈጢሩ‘ዩ፡፡ እዚ ድማ‘ዩ ምስ ህዝቢ ምርኻብ ፍርቂ መንገዲ ዓወት‘ዩ ዘበለ፡፡

ይኹን እምበር ምስ ህዝቢ ምርኻብ ፍርቂ መንገዲ ዓወት እዩ ‘ምበር ሙሉእ ዓወት ከምዘይኮነ እቶም ባሃሊ ይኹኑ /ማሕተመ ጋንዲ/ እቲ ብሂል ባዕሉ ይዛረብ‘ዩ፡፡  ስለዚ ሙሉእ ዓወት ንክኸውን ድኣ እንታይ ይገብር? ማሕተመ ጋንዲ ካብ ዝበልዎን ካብ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ዝኣኻኸብኩዎምን ጠሚረ ንኡሽተይ ሓበሬታ ክሕብር

1.     ድልየትን ሕቶታትን ህዝቢ ፍፁም ኣይውዳእን፡፡  ስለዚ በብመድረኹ ዝሕተቱ ሕቶታት ድሕሪ ምስማዕ በብዘርፉ ፈሊኻ ምሓዝ፣ ዝፍትሑን ዘይፍትሑን ፈሊኻ ምሓዝ፣ ዝፍትሕሉ ግዘ ምንፃር፣ ኣብ መወዳእታ ጥሉል ወይ ድጉግ ምላሽ ምሃብ የድሊ/ይግባእ፡፡ ንመሰረታዊ ሕቶታት ብዋዒ መድረኽ ተደፊእኻ ዘይጠለለ ወይ ዘይመሰረታዊ ምላሽ ምሃብ እንደገና ተመሊሱ ንኹሉ ፃዕርኻን ተኣማንነትካን ዘበላሹ ስለዝኾነ ውሕልና የድልዮ፡፡ ንምምሕዳርውን ቀለልትን ሕቶታት ሽዑ ንሽዑ ምላሽ ምሃብ ግን ይከኣል እዩ፣ ተስፋ እውን የሕድር እዩ፡፡ ሚዛን እውን ክሕሉ ይገብር እዩ፡፡

2.    እቲ ፕሬዝዳንት ኣባይ ወልዱ ዘካየድዎ መድረኽ ህዝቢ ድሕሪ ነዊሕ ግዘን ድሕሪ ብዕሙቀት ንተሃደስን ብምዃኑ ነናይ ከባቢኡ ትርግታ ልቢ ንምስማዕ ዳርጋ ናብ መላእ ትግራይ ምንቅስቓሶም እዎንታውን ዝተባባዕን እዩ፡፡ ይኹን እምበር ቀፃሊ ዝግበር ዑደት ግን ብመፅናዕቲ ኣብ ዝተመረፁ ውሱናት ከባቢታት እዩ ክኸውን ዘለዎ፡፡  ምኽንያቱ ዓመት ዓመት ኣብ ኹሉ ወረዳታት /ከባቢታት ዑደት ምግባር ብግዘ ይኹን ብስራሕ ስለዘይከኣል፡፡  ስለዚ ስርዓት ክወፆ ኣለዎ፡፡ ኣብ ቅድመ መፅናዕቲ ዝተመስረተ፣ ብቀዋሚ ሰሌዳ ግዘ ዝተነፀረ፣ ንውሱናት ከባቢ ዝሽፍን፣ ኣብ ቅድመ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ምላሽ ዝሓዘ ክኸውን ይግባእ፡፡

3.    ቅድመ መፅናዕቲ ዘካይድ፣ ንዝተኻየዱ መድረኻት ዝድህስስ፣ ዝተፈትሑን ዘይተፈትሑን ጉዳያት ተፈፃምነቶም ዝከታተል፣ ብቐጥታ ምስ ፕሬዝዳንት ጥራሕ ዝራኸብን ብፕሬዝዳንት ዝዋፈርን ሓደ ጉጅለ መፅናዕቲ ድማ የድሊ፡፡  ንምንታይ ናይ ኻልእ ሰብ ገፅ ፣ትእዛዝን ምትሕሙዛቕን ዘይዓረፎ፣ ፕሬዝደንት ኣባይ ብዝህብዎ ኣንፈት ጥራሕ ኣፅኒዑ ነፃን ጥረ ሓቅን ምእንታን ከቕርብ፡፡

4.    እቶም ዝካየዱ መድረኻት ሓደ ሓደ ግዘ ሃንደበታዊ ምግባር የድሊ፡፡ ምእንተ ምንታይ ከይተደመረ ከይተቐነሰ ነታ ዘላ ንምርኣይን ንምዕዛብን ስለዝጠቅም፡፡ ሓደ ሓደ ግዘ እከለ ይመፁ ኣለው እሞ እዚ ይገበር ተባሂሉ ኣርተፍሻል ኣብ መሬት ዘየለ ምድላው ስለዝግበር ነዚ ይከላኸል እዩ፡፡

5.    ኣብ መድረኻት ዝሳተፉ ሰባት እውን ብተመሳሳሊ ብኻልእ ኣካል ወይ ብሃንደበት ተፀዊዎም ክሳተፉ ክግበር ይግባእ፡፡ ልሙዳት ሰባት ብተደጋጋሚ ምስታፍ ጐዳኢ እዩ፣ ሕማቕ ዘይዛረቡ ሰባት/ፀፅቡቑ ዝዛረቡ ሰባት ምስታፍ ጐዳኢ እዩ፣ ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዘይውክሉ ሰባት ምስታፍ ጎዳኢ እዩ፣ ነዚ ዘመዓራሪ ስርዓት ክህሉ ይግባእ እቲ ጉጅለ መፅናዕቲ ናብታ ዑደት ትግበረላ ከባቢ ኣቐዲሙ ከይዱ ምስ ምምሕድዳር እቲ ከባቢ ብምዝርራብ ብናይ ባዕሉ ሜላ ሰባት ክመርፅ ምግባር ይከኣል እዩ፡፡

6.    ኣብቲ ዝካየድ ዑደት ዝምልከቶም ኩሎም ኣባላት ካቢኔ ክሳተፉ ክግበር ይግባእ፡፡ እዚ ዓብዪ ክብሪ ንህዝቢ እዩ፡፡  ግቡእ እውን እዩ፡፡  ምንጥብጣብ ኣይግባእን፡፡

ኣብ መጨረሻ እዚ ብዓቕመይ ዝሓንጠጥኩዎ ሓሳብ ንመራሕትና ንምዝኽኻር እምበር ሓዱሽ ነገር ሃልይዎ ኣይኮነን፡፡  እቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፅቡቕ መንፈስ ናይ መጀመርያ እምበር ናይ መጨረሻ ስለዘይኮነ ናብ ዝበለፀ ዓወት ንምንጣር ብዝግባእ ፀንቂቕና ክንጥቀመሉ ይግባእ፡፡  በዚ ሕዚ ነዚ ዓቂብካን ኣጠናኺርካን ምቕፃል ብሕታዊ ኣማራፂ እዩ፡፡  ካብዚኣ ሸተተት ምባል ረብሓኻ ንፀላኢ ኣሕሊፍካ ምሃብ እዩ፡፡  

                                                                     ህዝቢ ዝኣመነ ይስዕር!


                                          ካሕሳይ ጋስትራይት /ካብ መቐለ 

No comments:

“ምስ ህዝቢ ምርኻብ ፍርቂ መንገዲ ዓወት‘ዩ”

Tigrai Online “... ገፅ መራሕትና ካብ ዘይንርኢ፣ ንመራሕትና ካብ እንናፍቖም ዳርጋ 20 ዓመታት ኣቚፂርና፡፡  ናብ ከባቢና ሓንቲ መኪና እንተመፂኣ ኣንታ መን‘ኮን ሒዛ መፂኣ ? እናበልና ብሃንቀውታ ነመዓዱ፡፡...